Energize Colorado Gap Fund – Tigrinya Translation

ሕጂ ኣብዚ ክተመልክቱ ትኽእሉ፤ እቲ ዝስዕብ ድማ ክትፈልጡዎ ዝግባእ’ዩ።

To return to the language resources page, click here.

ፈንድ ኢነርጃይዝ ኮሎራዶ ጋፕ፡ ኣብ መላእ ግዝኣት ኮሎራዶ ሞተር ቑጠባ ንዝኾኑ ደቀቕትን ኣናኣሽቱን ስራሕቲ ንግዲ ንምዕባይን፡ ልዕሊ 31 ሚሊዮን ዶላር ልቓሕን ሓገዝን ንኣናኣሽቱ ስራሕቲ ንግድ ይህብ። ኣብዚ፡ ትሕቲ 25 ቀዋሚ ሰራሕተኛታት ዘለዎም ትካላት ድማ ክሳብ 15 ሽሕ ዶላር ሓገዝን 20 ሽሕ ዶላር ልቓሕን ዝርከቦ 35 ሽሕ ዶላር ፋይናንሳዊ ሓገዝ ንምርካብ ክሓቱ ይኽእሉ።

ካብ ሕጂ ጀሚርኩም ክተመልክቱ ትኽእሉ፤ ቐጻሊ ዝርርባት ድማ ብኢነርጃይዝድ ኮሎራዶ ክቐርበልኩም እዩ። ብዛዕባ እዚ ፈንድ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ነዚ ፈለግ ተኸተሉ።

እቲ ምምልካትን ሓገዝ ገንዘብን ብዙርያ ዝፍጸም ኮይኑ ክሳብ መወዳእታ ታሕሳስ 2020 ክዘልቕ’ዩ። እቲ መስርሕ ‘ኣቐዲሙ ዝመጽአ ቀዲሙ ይተኣናገድ’ ብዝብል ዘይኮነ፡ ኣብ ጸገም ዘለውን ሓገዝ ንዘድልዮምን ቐዳምነት ዝረኽብሉ ውድድር እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ቐጺሉ ኣሎ።

እዚ ማመልከቻ ኣብዚ ግዜ እዚ ተዓጽዩ እዩ ዝርከብ፣ ብዛዕባእዚ ናይ Gap Fund ብ Energize Colorado ክትፈልጡእንተደሊኹም። እዚ ናይ ብዙሕ ዓመት ፕሮግራም እዩ ካብዚንላዕሊ ኣብ ስራሕ ዝውዕሉ ዕድላት እውን ክህልዉ እዮም።ኣድላዪ እንተኾይኑ ክፍቲ ማመልከቻኹም ምጥቃም ትኽእሉ። መልጎም፡ ትርጉም ስጳኛ ንኣመልከትቲ አሁኑኑ ያመልክቱ

ብኸመይ ክተመልክት ትኽእል?

  • ነቶም ኣብ ላዕሊ ዘለው ፈለጋት ተኸተሉ
  • እቲ ምምልካት ብቋንቋ ኢንግሊዘኛ ኮይኑ እቲ ቅጥዒ ንምውዳእ ዝሕግዘኩም ናይ ስጳኛ ትርጉም’ውን ኣሎ’ዩ
  • እቲ ሓባሪ ጽሑፍ ብምውራድ ኣብ ምምላእ እቲ መመልከቲ ተጠቐሙሉ
  • እቲ ብቀጥታ ብኢንተርነት ዝውገን መመልከቲ ብቋንቋ ስጳኛ ወይ’ውን ብዝመረጽኹምዎ ቋንቋ ክትመልኡ ትኽእሉ
  • ቅድሚ ኹሉ ግን ኣድላዪ መረዳእታ ኣክቡ። ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ዝተፈጥረ ቑጠባዊ ጸገም ዘርኢ ዝተፈላለዩ ሰነዳት ክንቕበል ንኽእል ኢና። ስለ ዝኾነ ድማ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ክንደየናይ ከም ዝተጎዳእኹም ዘረጋግጹ ሰነዳት ኣቕርቡ። እዚኦም፥
  • ናይ ባንኪ ዝርዝር
  • ቅብሊት መሸጣ
  • ጸብጻብ ከስብን ክሳራን
  • ከፈልቲ ግብሪ ምዃንኩም ዘረጋግጹ ሰነዳት እዮም።
  • ኢነርጃይዝ ኮሎራዶ እዚ መመልከቲ ንምምላእ ትርጉም ሓዊሱ ናይ ስልጠና ፕሮግራም ይህብ’ዩ። ኣብቲ መርበብ ዘሎ ሓበሬታ ርኢኹም ሕቶ እንተሃልይኩም ንተወሳኺ ሓገዝ ንጉጅለ ቴክኒካዊ ሓገዝ ተወከሱ። ቀለልቲ ሕቶታት ንምምላስ ወይ’ውን ኣድላዪ ሰነዳት ኣብ ምድላው ክንሕግዘኩም ቅሩባት ኢና። ካብ ንጉሆ ሰዓት 6፡00 ክሳብ ምሸት ሰዓት 6፡00 ኣብ ዘለው ሸውዓተ መዓልታት ብ 1-800-471-0628 ክትድውሉልና ወይ’ውን ናብ [email protected] መልእኽቲ ክትልእኹልና ትኽእሉ።

 

እቲ ዝምልከቶ መን’ዩ?

 

  • ንኣሽቱ ትካላት ንግዲ ወይ’ውን ብብሕቲ ዝውነኑ – ብሕታዊ ዋንነት ኮሎራዶን ንኣሽቱ ትካላት ንግድን ኤልኤልሲኤስ፣ ኤስ – ክሮፕን ካልኦት ዓይነት ንግድን ዘጠቓለሉ’ዮም።
  • ንትርፊ ዘይተጣየሹ፡ እዚኦም ብቐጥታ ንኣሽቱ ትካላት ንግዲ፣ ቑጠባዊ ልምዓት ወይ’ውን ኣብ ቱሪዝም ከም ቤት ምኽሪ ንግዲ፣ ቤት ጽሕፈታት ከባቢያዊ መራሕቲ በጻሕትን ትካላት ቑጠባዊ ልምዓትን ንምሕጋዝ ልኡኽ ዝሓዙ’ዮም።
  • ትሕቲ 25 ሰራሕተኛታት፡ እቶም ኣመልከትቲ ትሕቲ 25 ቀዋሚ ሰራሕተኛታት ክህልዎም ኣለዎ። እቲ ኣስራሒ፡ ኣብ ዕረፍቲ ዘሎ ሰራሕተኝኡ’ውን ከካትት ይኽእል’ዩ።
  • ብኮቪድ-19 ዝተጸለወ፡ እቶም ኣመልከትቲ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ዝገጠሞም ቁጠባዊ ክሳራታት ዘረጋግጽ መረዳእታ ከቕርቡ ኣለዎም። እዚ፡ ናይ ባንኪ ዝርዝር፣ ቅብሊት መሸጣ፣ ጸብጻብ ከስብን ክሳራን፣ ከፋሊ ግብሪ ምዃንኩም ዘረጋግጽ ከምኡ’ውን ካልኦት ነቲ ዘሎ ቁጠባዊ ክሳራ ዘርእዩ የጠቓልል።

ቀዳምነት ዝወሃቦም ድማ፥

  • ዝኾነ ኣብ ኮሎራዶ ዝርከብ ወናኒ ንኣሽቱ ትካላት ንግዲ ከመልክት ይኽእል’ዩ። ቀዳምነት ዝወሃቦም ኣመልከትቲ ግን፡
  • መብዛሕትኦም ብጸለምቲ፣ ደቀባት፣ ገዳይም፣ ደቂ ኣንስትዮን ዝውነኑ
  • ትሕቲ 50 ሽሕ ህዝቢ ኣብ ዝነብረሉ ገጠር ከባቢ ዘለው
  • ኣብ ቱሪዝም ዝነጥፉ
  • ውሑድ ናይ ገንዘብ ዓቕሚ ዘለዎም ወይ’ውን ካብ ፌደራል፣ መንግስቲ እቲ ክልል ወይ ካልኦት ኣለቃሕቲ ትካላት፡ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ዘይረኸበ

ንተወሳኺ ሓበሬታ  Frequently Asked Questions ዝብል ገጽ ተወከሱ።

 

Subscribe to our newsletter and Gap Fund updates here.


First Name
Last Name

Questions about the Gap Fund?  Contact: 1-800-471-0628
(Mon.-Fri. 6 a.m.-8 p.m., Sat.-Sun. 6 a.m.-3 p.m.)
or e-mail
[email protected]

Learn more about the Gap Fund by visiting our Frequently Asked Questions.

Scroll to Top